ንሎሚ 3 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ግብጺ ንምምላእ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ን ኢትዮጵያ ዝኸስስ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ። ናይ ቀረባ ግዜ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ካብ መልበርን ንላዕሊ ኣብ ኣደላይድ ወይ ፐርዝ ገዛ ምግዛእ ይኸብር ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራታት ካብ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።
Sep 03, 2024•8 min
ንሎሚ ሰኑይ 2 ነስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚልዮን ዩሮ ዝሳለጥ ፕሮጀክት ምሕዋይ ስርዓት ጥዕናን መዓዛዊ መግብን ተጀሚሩ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪ...
Sep 02, 2024•51 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዶብ ቪክቶርያን-ኒው ሳውዝ ዌልስ ን፡ ሞኣማ ኣብ መንበሪ ገረብ ምስ ወደቐት ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ። ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ቓዛ ልዕሊ 600 ሽሕ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ፖልዮ ይኽተቡ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።
Sep 02, 2024•12 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/09/2024) * ኣብ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና መንእሰያት ት20 ኣትለቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ብብዝሒ መዳልያታት ዝድነቕ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ መዲና አይሳ ክብረወሰን 5000 ሜ ሰይራ፣ * ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር 5000 ሜ ደቂተባዕትዮ ተዓዊቱ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሃይናን ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጋንታ ንግድ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ ንዞና ሴካፋ ወኪላ ክትሳተፍ`ያ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን 100% ዓወተን ክቕጽላ`ንከለዋ መቐናቕንተን ኣርሰናል ግን ንፈለማ ግዜ ሰንከልከል ኢላ ኣብ ሜዳኣ ማዕረ ወጺኣ፣
Sep 01, 2024•14 min
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚልዮን ዩሮ ዝሳለጥ ፕሮጀክት ምሕዋይ ስርዓት ጥዕናን መዓዛዊ መግብን ተጀሚሩ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተቐርቂሮም ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጣልቃ ክእቶ ተሓቲቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበራ ክልተ መዓስከራት ተዓፅየን።
Sep 01, 2024•8 min
ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ።
Sep 01, 2024•11 min
ንሎሚ ሓሙስ 29 ንአሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ዘካፈለና ካል ኣይን መወዳእታን ክፋል ሎሚ ክቐርብ እዩ። ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ብወገና ነዚ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኣ ላ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ድሕሪ ዜና ክቐብ እዩ። ኣብ ሰ...
Aug 29, 2024•54 min
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ፎረም ደሴት ፓሲፊክ 'ዕዉት' ዩ 'ነይሩ ክብል ገሊጽዎ። ድሮን ዩክሬን ፡ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ዞባ ሮስቶቭ ዝርከብ መዕቆሪ ነዳዲ ከም ዘባርዑ ፡ መስመር ቴለግራም ሩስያ ሓቢሩ ። ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ፖለቲከኛ ምሉእ ኣባል ዞባዊ ባይቶ ክኸውን ተመዚዙ፡
Aug 29, 2024•16 min
According to recent research, the biggest concern facing Australians today is the economy, and it’s causing ruptures within our society. - መጽናዕታት ከምዘመልክትዎ እቲ ንኣውስትራልያውያን ኣጋጢምዎም ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት ቁጠባ'ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ኸኣ ነቓዓት ይፈጥር ኣሎ።
Aug 28, 2024•8 min
ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣካታዒ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ስዒቡ፡ ሶማልያ ቅድሚ እቲ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ምዝዛሙ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ ነይራ'ያ። ግብጺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተበርክት ሕቶ ምቕራባ ዝፍለጥ እዩ።
Aug 28, 2024•4 min
ን ሎሚ 28 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራሊያ ብብርቱዕን ጎዳእን ንፋስ ይዉቃዕ ኣሎ። ዩክረይን ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ዞባ ኩርስክ ንሰለስተ ሰሙን ዝገበረቶ ስርሒት ፡ 100 ሰፈራታት ከም ዝማረኸት ገሊጹ ። ዋና-ፈጻሚ ኮሚሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
Aug 28, 2024•5 min
ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኣሰራርሓ ዝምልከቱ መምርሒታት ካብ ትካል ናብ ትካል ይፈላለይ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ገለ ዝተለምዱ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ብሓፈሽኡ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ንግዲ ትካላትን ኢንዱስትሪታትን ዝኽተልዎም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ስራሕ ቦታ ብዙሕ ዘይዝውተር ሕጊታት ናብ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ልምዲ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ ፡ ነዚ ዘይተጻሕፈ ሕግታት ኽንምርምር ኢና ።
Aug 27, 2024•12 min
ንሎሚ 27 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር እስራኤል፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክጥረዙ ሓቲቱ፣ ኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ማልታ ድሕሪ ኣስታት ዕስራ ዓመት ካብ ማልታ ክጥረዙ ምዃኖም ተፈሊጡ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ መንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ኣብ ሰማያዊ መስመር ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ። ኣብ ሰሜን ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ምህማም መሬት 10 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
Aug 27, 2024•9 min
ን ሎሚ 26 ነሓሰ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡ ሰሙናዊ ...
Aug 26, 2024•50 min
እቲ ኣብ እዋን እርጋን ዘጋጥም ሕማም ረሲዕ (dementia ) ዝከላኸል ናይ መጀመርታ መድሃኒት ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ምምዕባሉ: ንሕሙማት ተስፋ ሂቡ ኣሎ ። [ኣብ መላእ ዓለም ሰፊሕ መርመራ እተገብረሉ መድሃኒት Lecanemab ፡ ነቲ ሕማም ረሲዕነት ዘስዕቦ ጽልዋ ንምዝሓል ዝሕግዝ ናይ መጀመርታ መረጋገጺ ረኺቡ ኣሎ ።] እቲ መድሃኒት ለካነማብ [Lecanemab] ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ፍቓድ ይካየደሉ እኳ እንተሎ ፡ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ብምዃኑ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ክረኽብዎ ዝኸውን ከይከውን ተሰጊኡ ኣሎ ።
Aug 26, 2024•6 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሕዝቦላህን እስራኤልን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ዝተገብረ ዶባዊ ግጭት ዝኸበደ ምልውዋጥ ተኲሲ ገይሮም። ንሰራሕተኛታት ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ስራሕ ዝተሓሓዝ ርክባት ዘቋርጽ ሕግታት ፡ ሎሚ [ን26 ነሓሲ] ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ ። ብግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም።
Aug 26, 2024•15 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/08/2024) * ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውራያት ቅድድም ብሽግለታ ኤውሮጳ ይሳተፉ'ለዉ፣ * ኤርትራዊ ሄኖክ ተስፋሚካኤል ዘርኦም ሰንበት ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ግጥም ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ መንጎ ሻምፒዮን ጋና ኤፍሲ ሳማርቴክስ 1996ን ካሜሩናዊት ጋንታ ቪክቶርያ ዩናይትድን ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ መሪሑ፣ * ሓደ ካብ ዝለዓሉ ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኣውስትራልያ ዜግነቱ ብምቕያር ኣብ መጻኢ ዝካየዱ ዓለምለኻውያን ውድድራት ንዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2024/25 ካልኣይ ሰሙኖም ኣብ ዘጠናቐቕሉ፣ ማንቸስተር ሲቲ፣ ኣርሰናል፣ ሊቨርፑልን ብራይተንን ክልተ ተኸታተልቲ ዓወታት ዘመዝገባ ኮይነን፣
Aug 25, 2024•13 min
ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ይጋደድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ግጭት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል 2 ተቐቲሎም 8 ተወቒዖም። ፖሊስ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ይገሹ ንዝነበሩ ረቢሾም ዝበሎም ሰባት ብሽበራዊ ገበን ከሲሱ። 13 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ፡
Aug 25, 2024•6 min
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካል ኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ።
Aug 24, 2024•26 min
ንሎሚ ሓሙስ 22 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ ነይሩ።፡ ኣብ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝምልከት ቃለ መሕትት መቐጸልታ ክቐርብ እዩ ። ገዛኹም ካብ ባልዓትን ሓሳኹን ምክልኻል; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፧ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ...
Aug 22, 2024•52 min
ኣርእስታት ዜና፥ ሓደስቲ ወለዲ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ እናተኸፈልካ ዝወሃብ ናይ ወላዳት ዕረፍቲ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐራንወሽን ክውሰኽ እዩ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቶም ብ ሕማም በዲዶ ህበይ ወይ mpox. ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።
Aug 22, 2024•11 min
ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዳግም ኣቦመንበር ህወሓት ኮይኑ ዝተመረጸ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ነቶም ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣካላት ክእለዩ ድሌቱ ገሊጹ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ!! ኩባንያ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ተሰማሚዑ
Aug 22, 2024•8 min
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቺካጎ ንዝግበር ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራትስ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመሪካዊያን ተኣኪቦም ኣለዉ ። ካብ 1832 ኣትሒዙ: ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ቅድሚ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይእከቡ: ኣብቲ ምግባእ ን ሕጹያቶም ደገፎም ከም ዝህቡ ቃል ይኣትዉ።
Aug 21, 2024•6 min
ንሎሚ 21 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፡ 12 ኤርትራውያን ምስ ሓደ ገበነኛ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጦም፡ ይድለዩ ኣለዉ። ሩስያ ፡ ሓይልታት ዩክረይን ነቲ ኣብ ዞባ ኩርስክ ዝርከብ ሳልሳይ ድልድል ከም ዘዕነዉዎ ገሊጻ ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ነቲ መንግስቲ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል መረጊጺኡ ዳግም ኣስሚራትሉ። ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕቲ ፈንዩ።
Aug 21, 2024•5 min
ኣብ እዋን ክረምቲ (ዊንተር) ሰባት ከም ሓሳኹ ዝኣመሰሉ ዘይተደልዩ በጻሕቲ ናብ በቶም ከይኣትዉ ዝሰግኡሉ እዋን ኣይኰነን ። ኣብ ኣውስትራሊያ ግን ኣብ ቆራሪ ኣዋርሕ ናብ ገዛኻ ሶሊኾም ዝ ኣትዉ ባልዓትን ሓሳኹን ኣለዉ ። ገሊኦም ከከም እትነብረሉ ከባቢ ዓመት ምሉእ ንጡፋት ኰይኖም ይቕጽሉ ። ባልዓት ዓራት ፣ ኣናጹን ሓሸራን ገለ ካብቶም ልሙዳት እዮም ። ድዱዕ'ውን ካብቶም ክወሩኻ ዝኽእሉ ባልዓት እዮም ። ባልዓት ካብ ዘጽ ሉኡኻ ክሳብ ምሕሳር ገዛኻ ሓሊፉ ካልእ ብዙሕ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል እውን ኣይትረስዕ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝኽሰቱ ባልዓት ብዝምልከት ንኽኢላታት ምኽሪ ንኽህቡና ኣዘራሪብናዮም ኣለና ።
Aug 20, 2024•10 min
ንሎሚ 20 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ናብ ልሙድ ፕላስቲካዊ ነገራት ንዚርከብ ኬሚካላት ምቅላዕ ኣብ ዑደት ህይወት ደቂ ሰብ ሓደጋ የስዕብ ኣሎ ፣ እዚ "ንዓለም ቀይሕ መስመር " ከምዝኾነ ክኢላታት ኣጠንቂቖም ። መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ክገብር ዝቐነየ ሓደ ወገን ህወሓት ተዛዚሙ ንዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ገይሩ መሪጽዎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ሱዳን ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ ።
Aug 20, 2024•5 min
ንሎሚ ሰኑይ 19 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ንመጻኢ ትግራይ ዝድህስስ ዋዕላ ምሁራን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ጻውዒት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንምስረታ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ 'ኩነታት ናብ ንቡር ንምመላስ' ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም። ትሕዝቶ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዩ፡ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝገበርሉ ዝምልከት ሎሚ ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ፓኪስታን ዝር...
Aug 19, 2024•55 min
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ፓኪስታን ዝርከባ ሆስፒታላት ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ንዝህሉ ብዝሒ ሕሙማት በዲዶ-ህበይ ወይ mpox ይዳለዋ ኣለዋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ነቶም ኣብ ጋሊፖሊ ዝርከብ መቓብር ንምሕላው ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ባርዕ ጫካ ዝተቓለሱ ቱርካውያን መጥፋእቲ ሓዊ ኣመስጊኑ ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ50 ዓመት ምጅማር ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ክትቅበል ጀሚራ።
Aug 19, 2024•13 min
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/08/2024) * ሄኖክ ምሉእብርሃንን ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ተሳትፎኦም ኣብ ዙር ፖላንድ የጠናቕቑ፣ ወላይ ሓጎስ በርሀ ኸኣ ኣብ ቩወልታ ኢስጳኛ ይቀዳደም፣ * ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ገብረመድህን ሃይለ ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሞሮኮ 2025 ዝሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ መሪጹ፣ * ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም ተባሂሎም ኣብ ዝውቀስሉ ዘለዉ እዋን ዝሓለፈ ሰሉስ ንዓዶም ተመሊሶም፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ 2024/25 ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ፉልሃም ተጀሚሮም፣ ኣርሰናል፣ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ሓድሽ ወቕተን ብዓወት ጀሚረን፣
Aug 18, 2024•11 min
ንመጻኢ ትግራይ ዝድህስስ ዋዕላ ምሁራን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ጻውዒት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንምስረታ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ 'ኩነታት ናብ ንቡር ንምመላስ' ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም። እቲ ጉባኤ ዘካይድ ዘሎ ድማ ብስሙ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ኣጊዱ ንኣባላት ላዕለዋይ ኣመራርሓ ድማ ናብ ተራ ኣባል ከም ዘውረደ ኣፍሊጡ ሎ።
Aug 18, 2024•8 min