ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2024) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2024)

Sep 02, 202451 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ንሎሚ ሰኑይ 2 ነስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም በዲዶ ህበይ ንዓለም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣሚኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ለበዳ ገይሩ ኣዊጅዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ብኸመይ ይመሓላለፍ፧ ከይንተሓዝ እንታይ ክንገብር ኣለና፧ በዚ ሕማም እንተ ተታሒዝና ክንወስዶ ዝግባእ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብሉን ምስዚ ሕማም ዝተሓሓዝ ሕቶን ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ሱፐር ክሊኒክ ሆፐርስክሮሲን መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋዕላ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣምሪሑ ኣብ ሽረ ብ2.3 ሚልዮን ዩሮ ዝሳለጥ ፕሮጀክት ምሕዋይ ስርዓት ጥዕናን መዓዛዊ መግብን ተጀሚሩ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ። ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተቐርቂሮም ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጣልቃ ክእቶ ተሓቲቱ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ትሕዝቶን ክቐርብ’ዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዶብ ቪክቶርያን-ኒው ሳውዝ ዌልስ ን፡ ሞኣማ ኣብ መንበሪ ገረብ ምስ ወደቐት ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ። ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ቓዛ ልዕሊ 600 ሽሕ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ፖልዮ ይኽተቡ። ጁቡቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android