SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ - podcast cover

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Last refreshed:
Follow this podcast in the Metacast mobile app to refresh it and see new episodes.
Download Metacast podcast app
Podcasts are better in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episodes

“እዚ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ግልያ ኮይኑ ክነብር ዝዓዘሞ ነገር ኣይርድ ኣካን’ዩ።” ገረዝግሄር ተወልደ

ካል ኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ።

Aug 18, 202427 min

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ነሓሰ 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 15 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይደን። ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ 'ፖለቲካዊ ድርድር' ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ምምሕዳር ብምፍራስ ሓዱሽ ናይ ምትካእ ስራሕ ከም ዝቕጽል ተገሊጹ። ንመንግስትን ፋኖን ከቀራርብ ዝቘመ ቤትምኽሪ ሰላም ፈተናታት ከም ዝገጠሞ ሓቢሩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፡ እዩ ። ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ...

Aug 15, 202452 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ነሓሰ 2024)

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ሞንኪፖክስ ንኻልኣይ ግዜ ዓለምለኸ ለበዳ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ ። ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ታይላንድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ስረታ ታቪሲን ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ ። ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጁልያ ነብሌት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣካይዳ።

Aug 15, 202417 min

ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ብ ፖለቲካዊ ድርድር ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ብክንሳተፍ ኢና ዝብሉን ኣብ ዝተጨውየ ጉባኤ ኣይንርከብን ዝብሉ ምፍልላያት ዘኸተለ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ካብ ኮሚሽን መረጻ ኢትዮጵያውን ተቓዉሞ ገጢምዎ ኣሎ። እዚ ጉባኤ በቲ ሃደ ወገን ኣብ ዉሽጢ እቲ ዉድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ በቲ ኻልእ ድማ መጻኢ ዝምድና ምስ ፈደራል ዝመጽእ ኩነታት ብህዝቢ ኣብ ሳቕሎት ኣእትይዎ ይርከብ።

Aug 14, 20246 min

Why is sex and sexuality education taught in Australian schools? - SBS Examines: ኣብ ቤት ትምህርትታት ኣውስትራልያ ንምንታይ እዩ ትምህርቲ ጾታን ጾታዊ ስምዒትን ዝወሃብ፧

Sex ed in schools is controversial, but experts say it's vital for young people to learn about their bodies, identities, and healthy relationships. Why are some parents concerned? - ኣብ ኣውስትራልያ ጾታዊ ትምህርቲ ጠቓሚ'ዩ፡ ግን ነንሓድሕዱ ዘይሳነን/ዘይቃዶን ኣካታዒን'ዩ። ስለ'ዚ ጾታዊ ትምህርቲ ንኩሉ ዝወሃብ ክኸውን ኣለዎ ድዩ፧ ገለ ወለዲ ኸ ስግኣት ዝሓድሮም ንምንታይ`ዩ፧ እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ንጾታዊ ትምህርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ክምልከት`ዩ።

Aug 14, 20249 min

ዋዕላ ዉድባት ኤርትራን ዝሓንጸጾ መደባትን፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ (ቀዳማይ ክፋል)

ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ኣብዚ ጽላል፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ፡፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን መደባቶምን ክገልጸልና ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።

Aug 14, 202420 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ነሓሰ 2024)

ንሎሚ 14 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ኣብ ኲንስላንድ ሓንቲ ጓል 10 ዓመት ኣብ ጎልድ ኮስት ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ጐረሮኣ ተሓሪዳ ሞይታ ድሕሪ ምርካባ ሓንቲ 46 ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ተኸሲሳ ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዝርርብ' ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ተፈሊጡ። ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ወለንታዊ ብሓገዝ ሰብ ምቕታል [V-A-D] ሕጋዊ ካብ ዝኸውን ፡ ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ልዕሊ 2,460 ሰባት ነዚ ኣማራጺ እዚ መሪጾም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ ። መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ብወግዒ ተኸፊቱ፡ እዚ ጉባኤ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዉድብ ኣብ ክልተ ተመቒሉሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

Aug 14, 20249 min

ምፍላጥን ምርዳእን ባህላዊ ሕክምና

ህዝብታት ኣቦርጅንን ተቐማጦ ደሴት ቶረስ ኣይላንደራትን ፡ ብዛዕባ ሃገሮም ዓሚቝ ፍልጠትን ሓለዋን ስለ ስለዝገበሩ ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ክጸንሑ ኪኢሎም እዮም ። እዚ ነቲ ኣካልውን መንፈሳውን መዳይ ኣብ ቀዳሞት ህዝብታት ዝጥቀምሉ ልምዲ ምፍዋስ ዘጠቓልል እዩ ። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ናይ ደቀባት ባህላዊ ፍወሳ ምርዳእን ነቲ ሎሚ ዘሎ ኣሰራርሓ ክንክን ጥዕና ኣድማዒ ውጽኢታውን ክኸውን ጠቓሚ ፍልጠት ከም ዝህብ ርኢና ኢና ።

Aug 13, 202411 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ነሓሰ 2024)

ንሎሚ 13 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት፥ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ሰሉስ ክጅመር ተመዲቡ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ። መራሕቲ ኣመሪካ ፈረንሳ ፡ ጀርመን ፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ፡ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይትፍኑ ተማሕጺኖም ። ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።

Aug 13, 20246 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ነሓሰ 2024)

ዕለታዊ ዜና (12082024) * ፓሪስ ሓላፍነት ምእንጋድ ኦሎምፒክስ ንሎስ ኣንጀለስ ኣረኪባታ፣ * እስራኤል ዳግማይ ምግዓዝ ፍልስጤማውያን ካብ ኻን ዩኒስ ኣዚዛ፣ * ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ እዙይ ውሳኔ ዝተወስደ ብኣቦወንበር ህወሓት ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ጽባሕ ሰሉስ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝፀውዐሉ ወቕቲ እዩ፣

Aug 12, 202414 min

ኦሎምፒክስ ፓሪስ ብድሙቕ ተዛዚሙ፣ ኢትዮጵያ ሓደ መዳልያ ወርቂ ኣመዝጊባ ተመሊሳ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/08/2024) * ታምራት ቶላ ተዓዋቲ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብምዃን ቀዳመይቲ ወርቂ መዳልያ ንኢትዮጵያ ዓቲሩ፣ * ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ደገፍትን ሃገራዊት ጋንትኦም ኣብ`ዚ ዓመት ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዘርኣየቶ ብቕዓትን ዘመዝገበቶም ቁጽሪ መዳልያታትን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ይገልጹ፣ * መዳልያ ክዓትር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ለመቻ ግርማ ኣብ መወዳእታ ዙር ብኸቢድ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፣ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ ተባሂሉ፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ መዳልያታት ዘመዝግቡ ኣትሌታት ሃገራቶም ምስጋንአን ንምግላጽ ስልማታት ይዕድለኦም`የን፣ ዝለዓለ ገንዘብን ስልማትን ዝዕድላ በዓል መን`የን፣

Aug 12, 202411 min

ኣቦ ወንበር ዝመርሖ ሓደ ክፋል ህወሓት ጉባኤ ኣብ ዝፀውዓሉ ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣

ጸብጻባት ልኡኽና * ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንግዚኡ ከም ዝተኸልከለ ተገሊጹ፣ እዙይ ውሳኔ ዝተወስደ ብኣቦወንበር ህወሓት ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ጽባሕ ሰሉስ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝፀውዐሉ ወቕቲ እዩ፣ * ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ፡ ብሓድሽ ንኽምዝገብ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕበሉዎ ኣቦወንበሩን ምክትሉን ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ትግራይ ብብልሽውና ሓለፍቲ ተኣሲሮም ተባሂሉ፣ * ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ብወግዒ ከም ዝተኸፍተ ተገሊጹ፣ * ዝተፈላለዩ ዉድባት ኤርትራ፡ ንስርዓት ኤርትራ ንምቅላስ ኣብ ጀርመን ሓባራዊ ልፍንቲ ከም ዝመስረቱ ኣፍሊጦም፣ * ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 5500 ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይነን፣

Aug 12, 202410 min

What is genocide? - SBS Examines: ምጽናት ዓሌት (Genocide) እንታይ እዩ፧

'Genocide' is a powerful term — it's been called the "crime of crimes". When does large-scale violence become genocide, and why is it so difficult to prove and punish? - ምጽናት ዓሌት (`ጀኖሳይድ``Genocide`) ከቢድ ዝኾነ ቃል'ዩ - "ናይ ገበናት ገበን" ተባሂሉ ተጸዊዑ'ዩ። መዓስ'ዩ ሓደ ገዚፍ-መጠን ዘለዎ ዓመጽ ወይ ጎነጽ፡ ጃምላዊ ቅትለት ዝኸውን፡ ንምንታ'ዩ ኸ እዚ ከተረጋግጾን መቕጻዕቲ ክትብይነሉን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ወይ ከቢድ ዝኸውን፧

Aug 10, 202411 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ነሓሰ 2024)

ኣርእስታት ዜና፥ ፡ ኣብ ከባቢ ዋክለይ ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያ ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ እተላዕለ ናዕቢ ፡ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም። ፖሊስ ብሪጣንያ ንዝግበር ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናዕብታት ንምምካት ኣብ ምድላው ይርከብ ። ኣውስትራሊያ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ብሽክሌታ ተዓዊታ ።

Aug 08, 202414 min

ኣብ ዙር ፈረንሳይ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ኣስመራ ብድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል; ኢትዮጵያ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምቕጻሉ ገሊጹ። ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ኣብ ሰብ ጉድኣት ዘየውረደ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ኣጋጢሙ ኣብ ሶማል ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሒዙዎም ዝጸንሐ ቦታታት ከረክብ ጀሚሩ።

Aug 07, 20247 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ነሓሰ 2024)

ሓማስ ፡ ሓድሽ መራሒ እቲ ዉድብ ክኸውን ንያሕያ ሲንዋር ሸይምዎ ። ካማላ ሃሪስ ፡ ንቲም ዋልስ፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዶናልድ ትራምፕ እንተድኣ ስዒራ ምክትል ፕረዚደንት ክከውን መሪጻቶ። ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኪስማዮ ሶማልያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እስላማዊ መሸፈኒ ገጽ ዝተኸደና ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትየን። ኣብ ሱዳን ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም።

Aug 07, 20246 min

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ብ ኦንላይን ዝህሉ ምንሻው (bullying) ብኸመይ ትምክቶ፡

ውሑስን ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ምድላው ናይ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ተልእኾ እዩ ። ኰይኑ ግና ፡ ወለዲ ውሉዶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺድንደን ወይ ቡሊ ክኸውን ከሎ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ? እቲ ምንሻው ብ ኦንላይን እንተ ኣጋጢሙኸ እንታይ ስጕምትታት ክወስዱ ኣለዎም ? ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ፡ ኣብ ትምህርቲ ፡ ስነ-ኣእምሮ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ክኢላታት ፡ እዋናዊ ምኽሪን ልቦናን ክህቡና ሓቲትና ዝረኸብናዮ መልሲ ሒዝና ቀሪብና ኣለና ።

Aug 07, 202412 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ነሓሰ 2024)

ንሎሚ 6 ነሓሰ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፈለማ ኣርእስታቶም፡ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ምኽሳር ዕዳጋታት ስቶክ ዉድቀት ስዒቡ ቁጠባ ከየጋጥም ተሰጊኡ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸኽ ሓሲና ብሂሊኮፕተር ሃዲማ ድሕሪ ምውጻኣ ህዝቢ ባንግላደሽ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ሓጎሶም ይገልጹ ። ኣብ ዞባ ወላይታ፡ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 11 ሰባት ምማቶም ተሓቢሩ።

Aug 06, 20246 min

"ናይ ሰባት ጸገማት ሰሚዕና ንነብዓሉን ንበኽየሉን ግዜ ኣሎ።" ተርጓምን ኣስተርጓምን መርእድ እያሱ

ኣቶ መርእድ እያሱ ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ካብ ዝጅምር 20 ዓመታት ዝገበረ ናይ ሕርሻ ምሁር እዩ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሰርሓሉ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን ኮይኑ፡ ብዛዕባ'ቲ ስራሕ ዘሎ ጥቕምታት ብፍላይ ድማ ጸገም ቋንቋ እንግልዝኛ ንዘለዎም ኣገልግሎት ምትርጓም ዘለዎ ረብሓ ተንቲኑ ኣሎ። ኣብቲ ስራሕ ዘጋጥምዎ ጸገማትን ዕግበትን'ውን ኣካፊሉ ኣሎ።

Aug 06, 202425 min

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ነሓሰ 2024)

ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኣውስትራሊያዊያን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት ይቐርብ ኣሎ። ኣንጻር ኢሚግሬሽንን ንዕ ኡ ዝቃወምን ናይ ተቓውሞታት ሰልፍታትን ኣብ መላእ ዩናይትድ ኪንግደም ን ሓደ ሰሙን ቀጺሉ። ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ብኣህጉራዊ ማሕበር መኸተ ጕስጢ (ኢባ) ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገብረ ፡ ጾታዊ መርመራ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ተኣማኒ ከም ዘይኰነን ገሊጹ ።

Aug 05, 202413 min

ቢንያም ግርማይ ናይ ኦሎምፒክስ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፣ ቀዳመይቲ መዳልያ ኢትዮጵያ (ብሩር) ብበሪሁ ኣረጋዊ ተረኺባ፣

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/08/2024) * ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብዓወት በልጅማዊ ረምኮ ኢቨነፖል ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ታሪኻዊ ተሳትፎኡ መበል 49 ብምእታው ኣጠናቒቑ፣ * ውድድራት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ኣብ ዝቐጸልሉ ኢትዮጵያ ፈለማያ ዝኾነ ብሩር መዳልያ ብበሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ 10ሽሕ ሜትሮ ረኺባ፣ * ኣብ መጻረዪ ውድድራት 5000 ሜ ደቀንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ጸጋይ፣ እጅጋየሁ ታየን መዲና አይሳን፣ ኣብ ውድድር 800 ሜ ኸኣ ጽገ ድጉማን ወርቅነሽ መሰለን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን፣ * ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክስ ህቡባት ኣትሌታት ምሕንባስ ኣብ ነብሶም ዝረአዩ ከበብቲ ዝቕርጾም ወይ ዓንኬላት በሰላ ናይ ብዙሓት መዘራረቢ ኮይኖም፣

Aug 04, 202411 min

ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ።

ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ካብቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ። 75 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ነበር ናብ ህዝቢ ንምጽምባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ይውገን ከም ዘሎ ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝሓርፈፈ ርክብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ብኢራን ተናኢዳ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንዘረባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ውዱቕ ብምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ዝርርብ ከም ዘየለ ገሊጹ።

Aug 04, 20248 min

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 01 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ። ሎሚ ካል ኣይ ክፋሉ ከነቕቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ’ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎ። ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ ሕጊ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን፡ ነዚ ዝምል...

Aug 01, 202455 min

ዕለታዊ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024)

ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ፡ ድሕሪ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ናብ ዘይተደልየ ኩነታት ከይዓርግ መጠንቀቕታ ሂቡ ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቺካጎ ምስ ምሕበር ጋዜጠኛታት ጸለምቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ፡ ናይ ካማላ ሃሪስ ዉርሻዊ ዘርኣ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ ኩነታት ናብ ተጻባኢ ኲነት ተቐይሩ። ኣል-ጀዚራ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ካብ ጋዜጠኛታቱ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

Aug 01, 202416 min

በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ'ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡሉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ማዕረ ውክልና ኩሎም ኣተሓሳስባታት ዘካተተ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀዊዐን። እዚ ጻውዒት፡ ህወሓት ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ከም ዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ።

Jul 31, 20248 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ሓምለ 2024)

ንሎሚ 31 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ፡ በይሩት ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ተፈቒድዋ። ኣውስትራሊያዊት ካይሌ ማክከውን ኣብ ናይ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ብናይ ምሕምባስ backstroke ናይ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።

Jul 31, 20246 min

ሕግታት ተጓዓዝቲ ኣጋር

ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን ። ኣብዚ ኵነታት እዚ ከመይ ጌርና ካብ ዘይተሓስበ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከም እንገላገልን ብኸመይ ካብ ሓደጋ ከም እንድሕንን ከምኡውን ንገለ ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ልሙድ ሕግታት ኣጋር ምፍላጥ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

Jul 30, 20249 min

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሓምለ 2024)

ንሎሚ 30 ሓምለ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፥ ብ እስራኤል ክግበር ዝኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ ኣውስትራሊያውያን ናብ ሊባኖስ ከይጉዓዙን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ "ቀልጢፎም ክወጹ" መንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸዊዑ ። ምርጫ ፐንዙወላ ሲዒቡ ፓናማ ንዲፕሎማሰኛታታ ካብ ቨነዝዌላ ስሒባ ። ፕረዚደንታት ጂቡቲን ፈረንሳን ምሕዳስ ወትሃደራዊ ውዕል ክልቲኤን ሃገራት ፈሪሞም።

Jul 30, 20246 min
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android