ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2025) - podcast episode cover

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ለካቲት 2025)

Feb 24, 202541 min
--:--
--:--
Download Metacast podcast app
Listen to this episode in Metacast mobile app
Don't just listen to podcasts. Learn from them with transcripts, summaries, and chapters for every episode. Skim, search, and bookmark insights. Learn more

Episode description

ን ሎሚ 24 ለካቲት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓይልታት ፀጥታ ምስ ነበርቲ ብዝፈጠርዎ ተፃብኦ 17 ሰባት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ዝተነግረሉ ግጭት ንምፍታሕ ዝርርብ ተጀሚሩ። ኣብ ሰሓርቲ ትግራይ ብገለ ኣባላት ሰራዊት ዝተፈጸመ በደል ንኩሉ ሰራዊት ኣይውክልን ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም። ብካልእ ሓበሬታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ንእገዳ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዱቕ ግይሩ። ኣብ ትግራይ 4 ሓደሽቲ ሙሩፃ ዓሌት ዝራእቲ ብሓረስቶት ተግራይ ንኽባዝሑ ቁሩብ ከምዝገበረ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣፍሊጡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ከባቢ ጉረታት ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ተመሪቑ። ኣብ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝተብሃለ "ተወሳኺ መምርሒታት" ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ንዝተዘርግሐ ሲስተም ኢ-ፓስፖርት ዕላዊ ገይሩ።ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እቲ ብ ሰልፊ ለበር ተሓሲቡ ዘሎ ናይ 8.5 ቢሊዮን ዶላር ድጎማ ክፍሊት ሕክምና ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ይበጽሖም ድዩ ኣይኮነን ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ማሕበር ሕክምና ኣውስትራሊያ [A-M-A] ገሊጹ፤ ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ን ሃገሩ ሰላም ዘምጽእ እንተኾይኑ ስልጣኑ ክገድፍ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ። ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ "ተኣፋፊ" ኩነታት ከምዘለዉ ቫቲካን ትገልጽ።
For the best experience, listen in Metacast app for iOS or Android